መራኽቢ ብዙሓን/Mass communication
(ቀዳማይ ክፋል
ብጸጋይ ነጋሽ
ረድዮ ኤርትራ ሃሊፋክስ-ካናዳ፡ ኣብ ዕለት 3ን 10ን ነሓሰ 2008፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ግደ ኣለዎም ንዘበሎም ኤርትራውያን ኣራኺቡ ናይ ዘተ መኣዲ ኣሳስዩ። ብሓቂ ብዓይነቱ ይኹን ብትሕዝትኡ ኣገዳሲ ነይሩ።
ዘተይቲ፡ ካብ ዝተፋላለየ ባይታ ናይ ተሞኩሮን ኣፍልጦን’ኳ ይቕርቡ እምበር፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትስ ፍልልይ ኣየመዝገቡን። ንኣብነት ኣብ ናይ ጋዜጠኝነት ስነ-ምግባር/ኣደብ (ethics) ዝምልከትን ናጻ-ፕረስ መባእታዊ መሰል ናይ ደቂ-ሰባት ምዃኑን ብሓደ ርእዮሞ። ኣብ ኤርትራ፡ ናጻ ፕረስ ስለዘየለ ግን ከካትዕ ዝኽእል ነጥቢ ኣይነበሮን። ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ኣነ ክውንነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን፡ ንኣካናውንኡ ዝበቅዕ ኣቀረርባን ኣሰናድኣን ብመጽናዕቲ ክበጻሕ ዝለዎ’ዩ ኢለ። ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ብብዝዙሕነት ዝቖመን ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ምዕብልና ደረጃ የሎን ካብ ዝብል እምነት’ዩ። ቴድሮስ፡ ኣብ ክልሳ-ሓሳባውን መትከላውን ገለጻ መራኸቢ ብዙሓን ኣተኲሩ። ግደ ናጻ ፕረስ ንህዝቢ ንምምንቕቓሕ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጡኡን ዓቕሙን ክብ ንምባል የኽእሎ’ዩ ኢሉ። ምናሴ፡ ኣህጉራዊ ናይ ሰብኣዊ-መሰል ሕጊን ኣድማሳዊ ትርጉም መራኽቢ ቡዙሓንን ከም መበገሲ ወሲዱ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይ ዜጋታት ኣብሪሁ።
ኣብቲ ካልኣይ መዓልቲ’ውን፡ ብሓው ኣማኒኤል፡ ረዘነን፡ ዮውሃንስን ዝቐረበ፡ ካብ ተሞክሮኦም ዝመንጨወ ነቲ ናይ ቅድሚ መዓልቲ ዘተ ብዝያዳ ኣሀብቲሞሞ። ብመሰረት ትሕዝትኡ ግን፡ ካብ ናይ ምናሴ ዝፍለ ብዙሓ ነጥብታት ኣይረኸብኩሉን። ብሓፈሽኡ፡ ኣነን ቴድሮስን ተመኩሮና ተ.ሓ.ኤ. ስለዝኾነ፡ ንህ.ግንባር ይኹን ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ደገ ጥራሕ ኢና ክንመዝኖ ንኽእል። እቶም ዝተረፉ ግን ተሞክሮኦም ህ/ግንባርን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ስለዝኾነ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ካብ ውሽጢ ስለዝፈልጥዎ፡ ሚዛኖም ድማ ብኡ ልክዕ ኢዩ ነይሩ። እዚ ተሞክሮታት’ዚ ኣብ ዕላማ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኣራኣእያ፡ ኣብ ኣመዛዝናን ናይ’ቲ መንግስቲ ፍልልይ ከምዘሎዎ መዚነ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ መንጎ ሓደሽቲ ወለዶን ነባራት ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ የንጸባርቕ ነይሩ።
ዘተ ናይ ክልቲኡ ዕለት ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ኢዩ ነይሩ። መራኻቢ ብዙሓን፡ ቀንዲ ዕማሙ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምርካብን’ዩ። ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ኤኮኖሚያዊን ሂወት ናይ ህዝቢ ብዘይ ናጻ-ፕረስን መበእታዊ ሰብኣዊ መሰልን፡ ዘላቒ ምዕብልናስ ይትረፍ፡ ኣንፈት ናይ ንቕድሚት ምስጓም’ውን ዕጽው’ዩ። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምዕብልና ደቂ-ሰባት ቀንዲን ወሳኒን (vital) እምበር፡ ካልኣዊ ቦታ ኣይሕዝን። ንኹሉ ሜዳያት ምንቅስቓስን ምውሳእን ናይ ሓደ ህዝቢ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ መራኻቢ ብዙሓን እንኪ-ትዝቲ፡ ተጐስዩ ዝሓልፍ ህዝባዊ ጉዳይት ኣይህሉን።
ናይ ምዝራብ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ናይ ምእካብ፡ ናይ ምቅዋምን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን ወዘተ… ናጽነት እንተዘየለ፡ ናጽነት ትርጉም የብሉን። እዚ መሰላት’ዚ፡ መግለጺ ናይ ምግያጽ፡ ናይ ምቾት፡ ወይ ናይ ቀበጥ-በጥ ኣይኮነን። ከርሲ ናይ ናጽነትን መርኣያ ሰብኣዊ-ክብሪን እምበር። ርእሰ-ናጽነት፡ ሓቂ’ዩ። ሓቂ ድማ ፍትሒ’ዩ። ናጽነት፡ ንሓቅን ፍትሕን ናይ ደቂ-ሰባት ዘረጋግጽ ክውንነት’ዩ። ስለዝኾነ፡ ዘተይቲ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ናይቲ መንግስቲ፡ ኣብ ኩሉ ሜዳያት ናይ ቃልሲ፡ ኣብ መሰረታዊ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣትዮም ክዝትዩ ኣብ ቦትኡ’ዩ ነይሩ።
ባህርያትን ኣገልጉሎትን መራኸቢ ብዙሓን፡
መራኸቢ ብዙሓን፡ብሕጽር ዝበለ ገለጽኡ- ሓበሬታ፡ ሓሳብን ኣረኣእያታትን ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ፡ ወይ ካብ ሓደ ናይ ዜና ማዕከን ናብ ዝፍሕ ዝበለ ህዝቢ፡ ብመሳርሒ ዜና ኣቢሉ ዝዝርጋሕ መስርሕ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ኣገልጉሎት መራኸቢ ብዙሓን፡ ብዝተፋላለዩ መሳርሒታትን ኣጋጣሚታት፡ ህዝባዊ ጉባኤታትን ብዋዕላታትን ሰሚናራትን ኣቢሉ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ህዝብን መንግስትን እናራኸበ፣ ብንምዕብንላናን ብክውንነትን ዘዛቲ፡ ዘተሓታት፡ ዘቋጻጽርን ናይ ሓበሬታ ዓውድን መስርሕ’ዩ።
መዐቀኒ መራኸቢ ብዙሓን፡ ነቲ ሓበሬታ መን ይእክቦ? ኣድላይነት ናይ ምዝርግሑ መን ይመርጾ? ንከመይ ዝበለ ዕላማ ወይ ሽቶ ንምህራም ይሳናዳእ…? ንዜጋታት የሳትፍዶ ወይስ የዋስን?፡ ሻርነት ዝሓዝ ድዩ ወይስ ሚዛናዊ ኢዩ? ኢልካ ዓይነቱ ክፍለጥ ይክኣል። ብዝኾነ፡ ግደን ተራን መራኽቢ ብዙሓን፡ ካብ ዲሞክራሲያዊ ሂወትን ሰብኣዊ ናጽነትን ናይ ዜጋታት ተነጺሉ ክረአ ኣይክእልን። ስለዝኾነ፡ ኣድማሳዊ ባህርይ ህዝባዊ መራኽቢ ብዙሓን፡ ንፍትሕን ናጻ ህልውናን ደቂ-ሰባት ዝቐውም ባህርያዊ መሰል’ዩ። ከመይ? ንሰብኣዊ ክብርን፡ ንሰብኣዊ ናጽነትን ስለዝሕለቕ።
ኩሉ ትካላት/መርበባት መራኸቢ ብዙሓን ግን፡ ንሓቅን ንፍትሕን ዝሕለቕ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ብመንግስቲ ዝውነን መራኸቢ ብዙሓን፡ ቃልን ድልየትን መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕ የተኵር። ስለዚ ብመሰረቱ፡ ነቲ ህዝባዊ ርክባት ተባሂሉ ብመንግስቲ ተዓሊሙ ዝዝርጋሕ ፕሮፖጋንዳ ኢዩ። ፕሮፓንዳ፡ ህዝቢ ንህዝቢ ክካታዕ፡ ክመሃሃር፡ ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተረድኦታትን ንኽምዕብል ዝነጥፍ ዕዮ ኣይኮነን። ዕላማ ፕሮፓጋንዳ፡ ርእይቶታትን ኣተሓሳስባታትን ህዝቢ፡ በቲ ኣተሓሳስባን መደብን ናይ’ቲ መንግስቲ ክቕረጽን ንኽሰራዕን ዝነጥፍ’ዩ። መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ዝውነንን ሙሉእ ቁጽጽር ዝግበሮን እንተኾይኑ፡ እቲ መንግስቲ መላኽን ዲክታቶርን ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዝሕብር። ብመንግስቲ ዝውነን መራኸቢ ብዙሓን፡ ባዕሉ ንዝፍጽሞ ብልሽውናታትን ግህሰትን ከቃልዕ ኢዩ ማለት ዘይሕሰብ’ዩ። ስለዚ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ናጻ ህልውና ኣረጋጊጹ፡ ብውልቀ-ሰባትን ትካላትን ሞያውያን ማሕበራትን ክውነን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን።
ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ሕዳር 1996 ዝተእወጀ ናይ ሕጊ ፕረስ፡
1. እቲ ሕጊታት ብሚኒስትሪ ዜና ተነዲፉን ረቒቑን። ሰብ-ሞያን፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ልኡል ግደ ከበርክቱ ዝኽእሉ ዜጋታትን ኣየሳተፈን። ፕረስ ናይ ህዝቢ እዝንን ዓይንን ኮይኑ፡ መንግስቲ ብግቡእ ይሰርሕ ምህላውን ዘይምህላውን ንህዝቢ ክገልጽን ክሕብርን ዋኒኑ’ዩ። ጌጋታት ናይ ሰበ-ስልጣናት እንተተረኺቡ’ውን ከጋልጽ፡ ክኸሽሕ ግቡኡ ኢዩ። እንተኾነ፡ እቲ ነዚ ክዉን ክገብር ዝኽእል ሕጊ ብሚኒስትሪ ዜና እንተተነዲፉን ረቒቑን ግን ከመይ ኣቢሉ ግቡኡ ክገብር ይኽእል?
2. “ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝድለ ፕረስ”!! ኢዩ ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ሕጊ ናይ ፕረስ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጊ ፕረስ ባዕሉ ኣርቂቑ ክእውጅ ከሎ፡ ንስልጣኑን መደብ ፕሮፖጋንዱኡ ኣብ ግምት እናእተወ ክምዝጻሓፎን ዝቐየሶን ኣየካትዕን። ስለዝኾነ፡ እዚ ዓይነት ሕጊ ፕረስ’ዚ ካብቲ ብሚኒስትሪ ዜና ዝዝርጋሕን ዝቃላሕን ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈነወ ብዓይነቱ ክፍለ ኣይክእልን።
3. “ረድዮን ተለቪዥንን ብመንግስቲ ጥራይ ኢዩ ዝውነን” ይብል። ስለዚ መሃሪ መደባት ከም ፊልም፡ መደብ ህጻናትን ከም ካርቱን ዝኣመሰሉ ንመንግስቲ ዝተሓዝኡ ኔሮም። ስለዚ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ሕጊ ፕረስ፡ ንይምሰልን ዝተኣወጀ ኢዩ ነይሩ።
ኣድላይነት መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ኤርትራ።
ኣድላይነቱ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኤርትራ ሃገርና፡ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ዝተኻላበተት ሃገር’ያ። ብመስንኪ መግዛእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ምዕብልናን ብልጽግናን ተሓጺሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ’ዩ። እዞም ዝተፋላለዩ ናይ መግዛእቲ ሓይልታት፡ መግዛእታዊ ዕድሚኦም ከናውሑ፡ ዝተፋላለየ መርበብ ናይ መፋላለዪ ሜላታት ዘርጊሖም። ሎሚ ድሕሪ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ናጽነት፡ ነቲ ኩሉ ገዛእቲ ዝገደፍዎ ግዕዘይ-ምዕዘይ ንምጽራግን ዝተጸንዐን ዝተነጸረን መደብ ተሓድሶ ክግበር መድለየ። ተሓድሶ- ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ኣሰራርሓን፡ ንሓድነት ህዝብን ህንጸት ሃገርን ዘገልግል። ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ተሳትፎን ናይ ዜጋታት እምበር፡ ትሕተ-ቅርጻታት ጥራሕ ምዝርጋሕ ኣይኮነን። ትሕተ-ቅርጻ ቅድም፡ ኣተሓሳስባን ተሳትፎን ከኣ ዳሓር ኢልካ ምእማን፡ ፈረስ ንድሕሪት ሰረገላ ንቕድሚት ከም ምግባር ይቑጸር።
እዚ ከም መበገስን መረዳእታን ብምውሳድ፡
- ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕነት ዝቖመ ህዝቢ ኢዩ
- ናይ ኤርትራ ሃገርነት፡ ናይ ሓባር መግዛእትን ጭቆናን እምበር፡ ናይ ሓባር ዕዳጋን ማሕበራዊ ምዕብልናን ዝሃነጾ ኣይኮነን
- ኣብ ጊዜ ዓደይ-ዓደይ ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ፍልልይን ይኹን ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ውግእ ሓድ-ሕድ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ርትዓዊ ፍታሕ ይጸበ
- ኣብ ኤርትራ፡ መንግስትን ተቓውሞን ኢልካ ዝፍለ ደንበታት ኣሎ። እዚ ድንበታት’ዚ፡ መተሓላለፊ በሪ ዘለዎ ወይ ክህልዎ ዝግበኦ ድዩስ፡ ወይስ መተሓላለፊ ዘይብሉ ልኩት ዝበለ?
- ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ የለን።
- ሕግን ስርዓትን ብመንጽር ህዝባዊ ፍትሒ (ብመሰረቱ ሕጊ ፕረስ፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብን ስርዓትን ኣዝዩ ተሃዋሲ’ዩ
። - ሓላፍነታዊ ፕረስ እንታይ ማለት’ዩ?
- ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዝነጥፋ ዘሎ፡ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ኤርትራ ክምዝጋብ ኣብ ዝነትጥ ዘሎ ቃልሲ ክህልወን ግደ። መራኸቢ ብዙሓንን ብመንጽር ቦታን ጊዜን … ዝብላ ሓውሲ ኣርእስትታት ምርኩስ ገይረ፡ እዘን ጠቒሰየን ዘለኹ ሸሞንታ ነጥብታትን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣ ኤርትራ ክዝቲ ኢዩ።
ተወሳኺ መካትዒ ነጥብታትን ንቕድሚት ክዝትየሎም ዘለኒ ነጥብታትን።
…. በዚ ኣርእስቲ’ዚ ህዝቢ ክካታዓሉ ይዕድም
1. ብምናሴ፡ ብኣማኒኤልን ዮውሃንስ፡ ካብ ዝቐረቡ ነጥብታት፡ ኣንጻር ናይ ሰለላን ፕሮፖጋንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዘይንሕስያ ምቅላስን። ብመሰረቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ነፊጉ የሳቒ ዘሎ መንግስቲ ስለዝኾነ፡ ይፍጽሞ ኢዩ ንዝብሃል ናይ ጽቡቓት ቅንጥብ-ጣብ ክነመጉሶን ክንድግፎን ኣይግባኣናን… ዝብል ኣረኣእያ (ሓሳብ እምበር ቃላት ናተይ
ኣመዝጊቦም። እዚ ምስቲ መንግስቲ ዝገብሮ እወንታ ምድጋፍ፡ ንኣሉታኡ ድማ ብትሪ ምቅዋም ዝብል ኣተሓሳስባ ከመይ ይሳነ? ቅንዕንኡን ውድዓዊ ጠመትኡን ከመይ ይምዝን? መንግስቲ ኤርትራ ነጻጊ እምበር ሓቛፊ (inclusive) ኢልና ምስ እንነቕፎ ጠባይ ይሰማማዕዶስ ይእረም?
2. ልኡላውነት ሃገር እንታይ ማለት’ዩ? ልኡላውነት ሃገር ካብ ዲሞክራሲያዊ መሰልን ናጽነትን ህዝቢ ወጻኢ ክግለጽ’ዶ ይኽእል? ወይ እምነ-መሬት ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ መሰል ናይ ዜጋታትን ኣብ ከመይ ይተኣሳሰር? ከመይ’ከ ይፈላለ?
3. ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ፈታዊ ድዩ ጸላኢ? ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ ምስቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕረቕ ረብሓ ኣለዎ’ዶ የብሉን? ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መርገጽ ደንበ ተቓውሞን ናጻ-መራኸቢ ብዙሓንን ከመይ’ዩ?
4. ብሰንኪ ጉልቡትን ብሩህ ራእይ ዘይብሉን ደንበ ተቓውሞ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ትሕተ-ሃገራዊ ኣረኣእያን ምጉጅጃልን ኣኸቲሉ ዝብል ሚዛን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?
…. ይቕጽል